light bible.jpg
 

ብርሃን ወንጌል ቤተክርስትያን ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ስያትል ዋሽንግቶን ስተይት ፡ ሕ. መ. ኣሜሪካ እትርከብ ናይ ኤርትራውያን ኣመንቲ ቤተክርስትያን እያ። ዕላማ ቤተክርስትያንና ወንጌል ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ስያትልን ከባቢኣን ንምብጻሕ እሞ ሓቢርና ድማ ነቲ ፈጣሪናን ኣምላኽናን ዝኾነ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ንምምላኽ እዩ።

ኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ስያትልን  ከባቢኣን  ኣብቲ ኣብ ቤተክርስትያንና ዝካየድ ኩሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ክትካፈሉ ደጊምና ብኽብሪ እንዳዓደምና ምሳና ሓቢርኩም ነቲ ሰሙናዊ ኣገልግሎትናን ካልእ መጻኢ መደባትናን ከከምዝጥዕመኩም ምሳና ሓቢርኩም ክትካፈሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ጸጋ ጎይታናን መድሓኒናን ኣምላኽናን የሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን።